ሓሳባዊት ዓለም Ideal World

ሓሳባዊት ዓለም Ideal World This page is for minds that refuse easy answers.

 #ምግራም   ከምቲ ጥንታውያን ግሪኻውያን ፈላስፋታት ዝበልዎ፣ ፍልስፍናዊ ፍልጠት ብምግራም እዩ ዝጅምር። ፈላስፋ ተገራም - ተመሳጢ እዩ። ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ተምሳጥ ይዝራእን ይዓቢን...
03/11/2026

#ምግራም
ከምቲ ጥንታውያን ግሪኻውያን ፈላስፋታት ዝበልዎ፣ ፍልስፍናዊ ፍልጠት ብምግራም እዩ ዝጅምር።
ፈላስፋ ተገራም - ተመሳጢ እዩ። ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ተምሳጥ ይዝራእን ይዓቢን።

ሶቅራጦስ “ፈላስፋ ቀዳማይ ዝስምዖ ነገር ኣግርሞይ እዩ። መጀመርታ ፍልስፍና ድማ ምግራም - ምምሳጥ እዩ።”

ወዲ-ሰብ ብምንታይ ክምሰጥን ክግረምን ይኽእል?

ክትፈላሰፍ ምኽኣል፣ ብስምዒት ምግራም ወይ ኣድናቖት ምምላእ እዩ። ሓደ ሰብ ሓድሽን ዘይተጸበዮን ነገር፣ ብዘገርም ጽባቐኡን ዕቤቱን ንህዋሳቱ ዝማርኽ ነገር ምስ ዘጋጥሞ ይግረም።

ኣእምሮ ኩሉ ግዜ - ብሓድሽ ነገራት ይምሰጥ፤ ብፍላይ ፍሉያትን ዘደንቑን ነገራት ጫፍ ተምሳጥ ይድይብ። እዞም ንኣእምሮ ብዘይተረፍ ዝዓብለሉ፡ ንኽገልጾም ድማ ቃላት ዝርከቦም ክስተታት ብምግራም ጥራይ ክንሓልፎም ኣይኮኑን ዘገድዱና። እንታይ ደኣ፥ ብዛዕባ ባህርያቶም፡ መበቆሎም #ክንፈልጥ # ዘነቓቕሓና ስምዒት ኣብ ውሽጥና ይነዝሑ'ዮም።
*እንታይ ኮን ክኾኑ ይኽእሉ?*

እዚ ኩሉ ድማ፡
እንታይ?
ከመይ፧
ንምንታይ፧

እዚ ከምዚ ዝበለ ኣድናቖት፣ ናብ ሕቶ ክመርሕ ይኽእል እዩ። ሕቶታት ድማ ናብ ፍልስፍና ክመርሑና ይኽእል።

ምድናቕ ~ ምሕታት ~ ምፍልሳፍ

ብሓጺሩ ከይተገረምካን ከይሓተትካን ፍልስፍና የለን።

ኣብ ኣድናቖት - ብ ኣድናቖት - ዝርከብ ፍልስፍና ንኹሉ ዝዕዘቦ ዝበለ ኣድናቖት ይመልኦ።

ፍልስፍናዊ ሓሳባት ምስቲ ልሙድ ንሓስቦ ፍጹም ዝጻረር ዝመስል ስነ-መጐታውን ሓሳባት ኣለዎም። ከመይ
ፍልስፍና ብዘገርም ፍልጠት ዝተመልአ ካብ መሰረት ዝፍልም ዓውድ እዩ። ፍልስፍና ምስጢራት ናይ ምፍታሕ ፍሉይ ክእለት ኣለዎ።

ፍልስፍና እኮ....
03/11/2026

ፍልስፍና እኮ....

Address

Canada, KY

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሓሳባዊት ዓለም Ideal World posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category